Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሕገ-መንግሥታዊ ስርዓት ንምሕላው እትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳልቫኪር

ኣዲስ ኣበባ፣  20 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሕገ-መንግሥታዊ ስርዓት ንምሕላው እትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን  ሳልቫኪር ማያርዲት ገሊፆም።

ሓላፊት ቋንቋታት ወፃኢን ዲጂታል ሚዲያን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር  ቢልለኔ ስዩም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫኪር ማያርዲት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር  ኣብይ አህመድ ኣብ ክልቲኣዊን ቀጠናዊን ጉዳያት ብምድሃብ ከምዝተላዘቡ ገሊፀን።

እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምጣነ ሃፍታዊ ጉዳያት ብፍላይ ምትእስሳር መሰረተ ልምዓታት ክጠናኸር ኣብ ዘኽኡሉ ጉዳያት ትኹረት ከምዝገበሩ ገሊፀን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣህመድ ንደቡብ ሱዳን ፕሬዚዳንት ሳልቫኪር ኣብ ኢትዮጵያ ብዝዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት መብርሂ ምሃቦም ገሊፀን።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፀገማት እንተጋጠሙ እውን ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት እወንታዊ ለውጥታት ክምዝገብ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም ኢለን።

ኣበዛ ሃገር ዘሎ ከይዲ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ብዝምልከት እውን ኣረዲኦም።

ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫኪር ማያርዲት ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ዕዉት ምርጫ ምግባራ ብምግኣፅ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ካልኣይ ዙር ምምኣእ ማይ ምዝዛማ እውን ንኢዶም።

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ናይ ኢትዮጵያ መከላከያ ሠራዊት መጥቃዕቲ ብምብፃሕ ጎንፂ ምልዕዓሉ ብፅኑዕ ምውጋዞም ገሊፀን።

ነዚ ስዒቡ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግሥታዊ ስርዓት ንምሕላው እትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም  ፕሬዚዳንት ሳልቫኪር።

ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ናይ ውሽጢ ፀገም ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ከምዘየድሊ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.