Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ብቱኒዚያ ኣቢሉ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ውድቂ ንኽግበር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብቱኒዚያ ኣቢሉ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝቐረበ ረቂቕ ውሳነ ሓሳብ ውድቂ ንኽግበር ተሓቲቱ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ምስ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕበቡራት መንግስታት ኣዘራሪቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ንግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ብቱኒዚያ ኣቢሉ ናብቲ ምኽሪ ዝቐረበ ረቂቕ ውሳነ ሓሳብ ውድቂ ንኽግበር ንኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሽ በቀለ ብግደኦም፥ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ሩባ ኣባይ፣ ከይዲ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ብርኪን ረብሓ እቲ ግድብን፣ ብቱኒዝያ ኣቢሉ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ዝቐረበ ረቂቕ ውሳነ ሓሳብ ዘለዎ ትሕዝቶ ዝምልከት ከምኡ እውን ኣብቲ ጉዳይ ቅዋም ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ነቶም ኣምባሳደራት መብርሂ ሂቦም፡፡

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ፕሮጀክት ልምዓት ስለዝኾነ፥ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ክረአ የዘብሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ቅድሚ ሕዚ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ወርሒ ሓምለ 2021 እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀሪቡ ሰለስቲአን ሃገራት ብኣተሓባባራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ሰለስተኣዊ ድርድር ብምቕፃል ኣብ መፍትሒ ንኽበፅሓ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ምሕባሮም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.