Fana: At a Speed of Life!

ሊግ ዓረብ ኣብ ኣልጄሪያን ሞሮኮን ዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ብዘተ ክፈትሓ ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል እስላማዊ ምትሕብባር ሊግ ዓረብን ስዑድ ዓረብ፤ ኣብ ኣልጄሪያን ሞሮኮን ዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ብዘተ ክፈትሓ ፀዊዖም።

ኣልጄሪያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብሞሮኮ ኣቢሉ ምትንዃይ ከምዘሎ ብምፅራሕ ምስ ሞሮኮ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምቁራፃ ኣፍሊጣ ኢያ።

እተን ሃገራት ኣብ ከባቢአን ብመንፅር ዘለወን ንሕንሕ ንዘሓለፉ ኣዋርሕ ፍሕፍሕ ምፅንሑ ይዝረብ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ትካል እስላማዊ ምትዕብባር ሊግ ዓረብ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለፂ ክልቲአን ሃገራት ኣፈላላየን ብዝርርብ ንኽፈትሓ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ስዑድ ዓረብ ብግደኣ ንምርግጋእ ፀፅታ እቲ ከባቢ እንትበሃል ክልቲአን ሃገራት ቅድሚት ኣብ ዝወሃቦም ጉዳያት ብምትኳር ንኽኽትያ ፀዊዓ፡፡

ዋና ፀሓፊ ሊግ ዓረብ ኣሕመድ ኣቡል ጌይት፥ ክልቲአን ሃገራት ድልየተን ብምግዳብ ዝበለፀ ጎንፂ ከየስዕብ ክሰርሓ ከምዘለወን ገሊፆም፡፡

ንኣልጄሪያ ተዋስን ሊቢያ እውን እቲ ኩነታት ኣዚዩ ዘሕዝንን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘበላሹ ከምዝኾነ ብምግላፅ ተግባረን ንኽዕዘበኦ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ሊቢያ ካብ 7 ክሳብ 9 መስከረም ኣብ ተተኣናግዶ ጉባኤ ሊግ ዓረብ ዞባዊ ልዝብ ንኽካየድ ፃውዒት ምቕራባ ፀብፃብ ኣልጀዚራ የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.