Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ንኽገብራ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲዝተገበረ ፃውዒት ስዒቡ ዝተፈላለያ ትካላት ትምህርቲ ሓገዝ እናገበራ ከምዝኾና ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ሓገዝ መሐለዊ ፅሬት፣ ናውቲ ገዛን ክዳውንቲን ምግባሩ ካብ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ታቦር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ሓገዝ በቲ ኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ማሕበረሰብ ንኽውዕል ዝተበርከተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ቅድም ክብል ዩኒቨርሲታት ጂማ፣ መቱ፣ ጎንደር፣ ወልቂጤ፣ ቦንጋ፣ ወራቤ፣ ዋቻሞን ወለጋን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ምግባሮም ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.