Fana: At a Speed of Life!

ንግብረ ራዕዲ ህወሓት እናሰርሑ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩን ክሲ ዝተመስረተሎምን 27 ኣባላት ሰራዊት ውሳነ ንመሃብ መጋባእያ ተሰይሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንግብረ ራዕዲ ህወሓት እናሰርሑ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ 27 ኣባላት ሰራዊት ውሳነ ንመሃብ ኣብ እዚ ደቡብ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ተሰይሙ።

ሕጊ ገበን ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 293 ንኡስ ዓንቀፅ 1 ብምትሕልላፍ ትካል ሰራዊት ምክልኻል ደምቢ ኣገልግሎት ብምጥሓስ ከምኡ እውን ዓንቀፅ 32 ንኡስ ዓንቀፅ 1 (ሀ)ን ዓንቀፅ 247(ሐ) ሰራዊት ናብ ፀላኢ ንኽኹብልል ብምድፍፋእን ብምልዕዓልን ኮሎኔል ካሳ ሃብቱ፣ ኮሎኔል ሀጎስ አሰፋን ሌተናር ኮሎኔል ሃይላይ ገብሩን ብቀንዲ ፈፀምቲ ገበን ክሲ ካብ ሞንጎ ዝተመስረተሎም ይርከቡ።

ተኸሰስቲ ዝኣተዉዎ ቃል ኪዳን ንደሓር ብምባል ምንቅስቓስ ሰራዊት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባር እናሰርሑ ምፅሖም ኣብቲ መጋባእያ ተላዒሉ።

ፍሉይ ምሽጥራዊ ሰነድ እቲ ሰራዊት ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣሕሊፎም ብመሃብ፣ ዝተፈላለዩ ዕጥቂታት ዝግበኦም ኣገልግሎት ከይህቡ ምስጢራዊ ጉጅለ ብመውዳብን እቶም መሳርሒታት ኣብ ምብልሻው ተፀሚዶም ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

ተኸሰስቲ ንወፍሪ ዝተዳለዉ መሳርሒታት ትፅቢት ዝግበረሎም ኣገልግሎታት ከይህቡ ብምግባር፣ ሰራት ምክልኃል ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንምድምሳስ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ኣቐዲሞም ሓበሬታ ብመሃብን እቲ ልኡኽቶ ዝድለ ውፅኢት ከይረክብ፣ ምስጢራዊ ክንውናት ነቲ ግብረ ራዕዲ ንምብፃሕ ዝፈፀሙዎ ተግባር ከምዝኾነ እቲ መጋባእያ ተመልኪቱ።

ስለዝኾነ እውን ጥፍኣተኛ ዝተብሃሉ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ 24 መዝገብ ዝተኸሰሱ 27 ኣባላት እቲ ሰራዊት ኣብ ወታደራዊ እዚ ደቡብ ዝተሰየመ ሎሚ መዓልቲ ውሳነ ክህብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.