Fana: At a Speed of Life!

ፍልጠት ዝመርሖ ናይ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ናይ ሙሁራን ግደ ምጉልባት ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍልጠት ዝመርሖ ናይ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ናይ ሙሁራን ግደ ምጉልባት ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ሚኒስትር  ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ፥ ኢትዮጵያ ብታሪካ ሉአላዊነት ብምርግጋፅ ናይ ህዝቢ ሓድነት ብምሕላው ናይ ባዕላ፣ ቀጠናን ናይ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ብምሕላው ካብ ትውልዲ ክሳብ ትውልዲ ብምትሕልላፍ ናይ ፀለምቲ ኩርዓት ከምዝኾነት ዘይፈሓቕ ታሪክ ኮይኑ ቀፂሉ ኢዩ ኢሎም።

“ሃገርና ብዙሓት ፀላእቲ እንተነበርዋ እውን ክልቲኦም ዋና ዋና ፀላእታ ግን ድኽነትን ኣብ ውሽጢ ድቕነት ብኢድ ኣዙር ብውሽጢን ደገን ዝምርሑ ፀገማት ኢዮም” ኢሎም።

ድኽነት ንምስዓር ዜጋታት ወሰንቲ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ድኽነት ውሽጢ ብኢድ ኣዙር ብውሽጢን ደገን ዝምርሑ ፀገማት ንምፍታሕ ግን ዝተፈለየ ፍልጠት፣ ክእለት፣ ጥበብን ሓድነትን ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ድማ ግደ ሙሁራን ልዑል ከምዝኾነ ገሊፆም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.