Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ኣብ ነፋስ መውጫ ዝርከብ ናይ ንግዲ ባንኪ ቅርንጫፍ ዘርፉ ናይ ሓለዋ ሰራሕተኛታት ቀቲሉ ከምዝኸደ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣  19 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ኣብ ነፋስ መውጫ ዝርከብ ናይ ንግዲ ባንኪ ቅርንጫፍ ዘርፉ ናይ ሓለዋ ሰራሕተኛታት ቀቲሉ ከምዝኸደ ናይቲ ቅርንጫፉ ስራሕ መካየዲ ኣይተ ኣለምነው ስዩም ገሊፆም።

ናይቲ ቅርንጫፉ ስራሕ መካየዲ ኣይተ ኣለምነው ስዩም ከምዝበልዎ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ነቲ ባንኪ ብመሳሪያ ብምድብዳብ ናይ ኤቲ ኤም ማሽን ሓዊሱ ናይቲ ባንኪ ቀዋሚ ሃፍቲ ሙሉ ንሙሉእ ኣውዲሙ።

ናይቲ ኣሸባሪ ዕጡቓት ዝዘረፍዎ  ገንዘብ እንተይሓወሰ ካብ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ንላዕሊ ዝግመት ናይ ሃፍቲ ክሳራ ኣብፂሑ ኢዩ ኢሎም ክብል ኢፕድ ዘጊቡ።

ናይቲ ትካልን ግለሰባትን መረዳእታ ዝሓዙ ፋይላት፣ ኮምፒዩተራት፣ ዳታ ሰርቨር፣ ጠረጴዛን ወንበርን ሓዊሱ ኣጠቓላሊ ናይቲ ባንኪ ንብረት ኪሳራ ኣብፂሑ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ነፋስ መውጫ ከተማ ሙሉእ ንሙሉእ ካብቲ ግብረ ራዕዲ ነጻ ወፅያ እቲ ማሕበረሰብ ሰለማዊ ኑሮኡ ንምምራሕ ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.