Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ጀማል በከር ምስ ፕሬዚዳንት በዓል መዚ ባህሊን ሓድጊን ባህሬን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ጀማል በከር ምስ ፕሬዚዳንት በዓል መዚ ባህሊን ሓድጊን ባህሬን ሜይ ቢንት መሓመድ ኣልከሊፋ ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ናይ ክልቲአን ሃገራት ሕውነታዊነት፣ ባህሊክብሪን ርክብን ኣብ ዘጠናኽሩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ተመያይጦም፡፡

ኣምባሳደር ጀማል፥ ኢትዮጵያ ወናኒት ብዙሕ ባህሊ፣ ኣርኪዮሎጂ ሙዚቃን ኣርትን፣ ወናኒት ታሪኽ ነባር ስልጣነን ከምዝኾነት ገሊፆም።

በዚ መዳይ ምስ ባህሬን ዝበለፀ ብምውዳድን ብምትሕብባርን ዝስረሐሉ ነጥቢታት ኢዮም ኢሎም፡፡

ፕሬዚዳን በዓል መዚ ባህሊን ሓድጊን ሜይ ቢንት መሐመድ ኣልከሊፋ ብግደኦም፥ ዝተገበረሎም ገለፃ ብምምስጋን ባህሬን ኣብቲ ዓውዲ ካብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ተሞክሮ ክትወስድ ከምትኽእል ተዛሪበን፡፡

ኣብ ባህሬን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ባህሎም ንምፍላጥ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ እቲ በዓል መዚ ብሙሉእ ዓቕሙ ከምዝሕግዝ ምግላፀን እውን ካብ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.