Fana: At a Speed of Life!

ብሽፋን ገበርቲ ሰናይ ሽርሒ ዝሽርቡ ትካላት ዝቃወም ወፍሪ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሽፋን ገበርቲ ሰናይ ሽርሒ ንዝሽርቡ ትካላት ዝቃወም ወፍሪ ተጠናኺሩ የቕፅል ኣሎ ።

ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ፥ “ሓገዝ ምግቢ ንህወሓት ኣይሃብናን፤ እቲ ጉጅለ ሰሪቑ ክኸውን ይኽእል እንጂ” ዝብል መግለፂ ኣውፂኡ።

እቲ መግለፂ፥ ክሳብ ትማሊ ምሸት ተጠናኺሩ ዝቐፀለ ወፍሪ ትዊተር ስዒቡ ዝተውሃበ ኢዩ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብናይ ኢትዮጵያ ቢሩኡ ኣቢሉ፥ “ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ኣይንውግንን፤ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር እውን ሓገዝ ንዝደልዩ ወገናት ብዘይ ዝኾነ ይኹ ኣድልዎ ንገብሮ ርዳእታ ክንቅፅል ኢና” ምባሉ ዝፍለጥ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ብዝተገበረ ወፍሪ ትዊተር 259 ሺሕ መልእኽታት ምግዋሕ ተኻኢሉ፡፡

እነዚህ ሩብ ሚሊየን ትዊቶች በድምሩ 1 ነጥብ 3 ቢሊየን በላይ ዓለማቀፍ ተደራሾችን ማግኘት ችለዋል።

እቶም መልእኽቲታት ብ9 ቋንቋት ዝተጋውሑ እንትኾኑ፥ ካብ እንግሊዝኛን ኣምሓርኛን ብተወሳኺ ብዓረብኛ ቋንቋ እውን ክጋዋሕ ተኻኢሉ ኢዩ።

ቋንቋታት ፈረንሳይኛ፣ ህንዲ፣ ሊቱኒያን፣ ፊኒሽ፣ ኢስቶኒያን እውን መልእኽቲ ዝተመሓላለፈሎም ቋንቋታት ይርከቡሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.