Fana: At a Speed of Life!

ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ስግኣት መጥቃዕቲ ሳይቨር ከምዘሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ 2013 ዓ.ም ብዝገበሮ ፍተሸ ድሕንነት ሳይበር 60 ኣብ ዝኾኑ ትካላት ዝተፈጠሩ ተቓላዕነት መጥቃዕቲ ምፍላይ ከምዝኸኣለን እቶም ክፍተታት ክእረሙ ከምዝገበረን ገሊፁ።

ሓላፊ ዲቪዥን ፍተሸን ግምገማን ድሕንነትን ሳይቨር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ደሳለኝ ወልደጊዮርጊስ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብ ልዕሊ 60 መንግስታዊን ውልቃዊን ትካላት ፍተሻ ተቓላዕነት ድሕንነት ሳይቨር ከምዝገበረን እተን ትካላት ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ብርኪ መጥቃዕቲ ሳይበር ተቓላዕቲ ከምዝነበሩን ኣብሪሆም፡፡

ፍተሸ ድሕንነት ሳይቨር ዝተገበረሎም ኩሎም ትካላት ናይ ሲስተም፣ መሰረተ ልምዓት ሳይበር፣ ሓይሊ ሰብን ምሕዳራ ድሕንነት ሳይበርን ክፍተታት ከምዝተረኸቦም ተሓቢሩ፡፡

እቶም ተቓላዕነት መጥቃዕቲ ሳይበር ንምቕራፍ ድማ እቶም ትካላት በቲ ኤጀንሲ ዝተውሃቦም ምኽረ ሓሳብ መሰረት ብምግባር ክፍተታት ምስትኽኻል፣ ዝኾነ ይኹን ሲስተም ወይ እውን መሰረተ ልምዓት ሳይበር ቅድሚ ምትግባሩ ፍተሸ ድሕንነት ሳይበር ክግበረሎም ምግባር፣ ኣብ ጉዳይ ድሕንነት ሳይበር ግንዛበ ሰራሕተኛታቶም ከዕብዩ ከምዝግባእ ምግላፁ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.