Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ብዙሓት ንጦርነት ምስላፉ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ዘርኢ ንከይተርፍ ዘለዎ ድልየት ከምዘርእይ ዝተማረኹ ወታደራት እቲ ጉጅለ ራዕዲ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣  17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ብዙሓት ንጦርነት ምስላፉ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ዘርኢ ንከይተርፍ ዘለዎ ድልየት ከምዘርእይ ዝተማረኹ ወታደራት እቲ ጉጅለ ራዕዲ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ሕድሕድ ትግራዋይ ደቁ ንጦርነት ንከበርክት ዘገድድ እንትኸውን፥ ቆልዑ ዘይብሎም ወለዲ ባዕልቶም ንክዘምቱ እንተዘይኮይኑ ናይ ገንዘብ መዋጮ ንክኸፍሉ ይግበር ኢዩ ኢሎም እቶም ምርኮኛታት።

ንትህነግ ስዉር ናይ ስልጣን ዓላማ ብዙሓት እናረገፉ እንትኾኑ ዝተማረኹ እውን ብግዴታ ብቲ ጉጅለ ዕላምኡ ናብ ዘይተረደኦም ጦርነት ምእታዎም ኣብ ወሎ ግንባር ፃንሒት ንዝገበረ  ጉጅለ ጋዜጠኛታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

እቶም ምርኮኛታት ኣብ ኣምሓራ ወረራ ዝፈፀመ ናይ ትህነግ ጉጅለ እንትውቃዕ መራሕቲ ገዲፈሙዎም ምኻዶም እዚ ናይ ድኻ ቆልዑ ብምእጋድ ንባዕልኻ ንምትራፍ ዝተኻየደሉ ስግብግብነት ናይቲ ጉጅለ ሽፍታነት ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ካብ መንጎ እቶም ዝተማረኹ 16 ዓመት ዘይመልኦም ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ይርከብዎም።

እቶም ህፃናት ክንማሃር እናተገበአና ዕላምኡ ንዘይተረደአና ጦርነት ተዳሪግና፣ ብፆትና ተወዲኦም፣ ኩሉ ትግራዋይ ብንቕሓት ደቁ ናብ ጦርነት ምልኣኽ የብሉን ኢሎም።

በአፈወርቅ እያዩና ለይኩን ዓለም

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.