Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መንግስቲ ቻይና ዝተለኣኸሉ 300 ሺሕ ዶዝ ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ተረኪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ መንግስቲ ቻይና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተለኣኸ 300 ሺሕ ዶዝ ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ተረኪበን።

እቲ ክታበት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትጵያ ዥያዎ ዢዮዋን ንዶክተር ሊያ ታደሰ ኣረኪቦምወን።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ለበዳ ኮቪድ ንምዕጋት ትገብሮ ፃዕሪ ቻይና ኣጋር ምዃና ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።

መንግስቲ ቻይና ንዝገበሮ ሓገዝ ዘመስገና ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ፥ እቲ ክታበት ተጠናኺሩ ንዝቐፀለ ናይ ምክልኻል ፃዕሪ ሓጋዚ ክኸውን ኢዩ ኢለን።

ቻይና ሎሚ መዓልቲ ዝተልኣኸ 300 ሺሕ ዶዝ ክታበት ሓዊሱ 1 ሚሊየን ዶዝ ክታበት ኮቪድ ሓገዝ ምግባራ ኤኤምኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.