Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ታደሰ ታከለን ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሪ ኣምፂኦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬንያ ናይሮቢ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 18 ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቱ ንኢትዮጵያ ዝወከሉ ኣትሌታት ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተሳቲፎም።

ኣብ ውድድር 1500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ደርቤ ወልተጂን ብ3000 ሜትሮ መሰናኽል ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ታደሰ ታከለን 2ይ ብምውፃእ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሪ ኣመዝጊቦም፡፡

ኣትሌታት ህይወት መሃሪን ኣትሌት ታከለ ታደሰን ድማ ኣብ ዝተወዳደሩሎም 4ይ ብምውፃእ ዲፕሎማ ረኺቦም፡፡

ብ800 ሜትሮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ዳንኤል ወልዴ 5ይ ብምውፃእ ዲፕሎማ ምርካቡ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.