Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፈፀሞ ግፍዒ ዝኹንንን ሰልፊ ኣብ ዲግ ዲጋ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀበሌ ጋሊ ኮማ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተፈፀመ ግፍዒ ዝኹንንን ሰልፊ ኣብ ዲግ ዲጋ ተኻይዱ።

ኣብ ክልል ዓፋር ዛባ ፊንቲ ረሱ ቀበሌ ዲግ ዲጋ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፥ በቲ ግብረ ራዕዲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግዳያት ዝኾኑ ስድራ ቤት ተረኺቦም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ጋሊኮማ ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ኣይንርሰዖን፣ ጁንታ ፀላኢ ህዝቢ ዓፋር ኢዩ፣ ንዓፋር ምብፃሕ እምበር ምንካእ ንባዕልኻ ናብ ኤርታሌ ምእታው ኢዩ፣ ጨፍጫፍ ጋሊኮማ ህዝቢ ዓለም ክኹንኖ ይግባእ ዝብሉ ጭርሖታት ኣብቲ ሰልፊ ተጋዊሖም፡፡

ኣቦታትና ዘምሀሩና ኢትዮጵያውነት ምኽባር ኢዩ ዝበሉ እቶም ሰልፈኛታት፥ ንህዝቢ ዓፋር መሰጎሚ ገይሩ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ምሕሳብ ዘይከኣል ከምዝኾነእውን ገሊፆም፡፡

በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሃፍቲን ንብረቶምን ዝሰኣኑ ዜጋታት ሓገዝ ንኽግበረሎም እውን ኣብቲ ሰልፊ ተሓቲቱ።

ብጥበበስላሴ ጀምበሩን ሃቢብ አደም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.