Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን ልዕሊ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን ልዕሊ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ምግቢ፣ ናውቲን ክዳውንቲን ገይሩ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓገዝ ዝገበረ ተምሃሮ፣ መምህራን፣ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቤጂንግን ብምትሕብባር ኢዩ።

ዳይሬክተር ምምሕዳር ንብረት እቲ ዩኒቨርሲቲን መተሓባበሪ  እቲ ሓገዝን ኣይተ መሰለ ዘውዴ፥ ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያዊነት ኣብ ውሽጢ ፀገም ዓምቢቡ እንተፍሪ ርኢና ኢና ኢሎም።

ዳይሬክተር ኣገልግሎት ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ሰለሞን ተስፋዬ ብግደኦም፥ እቲ ናይ ዩኒቨርሲቲታት ምትሕብባር ናብ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ዝዓቢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኣገልግሎት ምግቢ ዝውዕሉ ከም ሩዝ፣ ድንች፣ ሽኮር፣ ዓተር፣ ሽሮን ካሮትን ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ጃኬት፣ ስረ፣ ሸሚዝ፣ ኮቦርታ፣ ጫማ፣ ቱታን ፍራሽን ንሓገዝ ቀሪቦም።

ኣብቲ ሓገዝ ንመገልገሊ ውሽጢ ገዛ ዝውዕሉ ናውቲ ከም ሳፋ፣ ብረት ድስቲን ናይ ማይ ጀሪካንን ተኻቲቶም።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲተ ወሎ ዶክተር ኣፀደ ተፈራ፥ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ምስጋና ኣቕሪበን።

ብኣለባቸው ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.