Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ልኡኽ ኣባላት ፓርላማ ኬንያ ናብ ጅግጅጋ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሮፌሰር መሓሙድ መሓመድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣባላት ፓርላማ ኬንያ ናብ ጅግጅጋ ኣቲዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጅግጅጋ እንትበፅሕ፥ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሊ ኣይተ ኢብራሂም ኢስማን፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ሶማሊ መለው ኢብራሂም ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል ደርሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ኣብ ክልል ሶማሊ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ምስ ኣመራርሓታትን ኣባላት ቤት ምኽሪን እቲ ክልል ከምዝዛተን ዝተፈላለዩ ዑደታት ከምዝህልዉን ትፅቢት ይግበር፡፡

እቲ ልኡኽ ኣብ ጅግጅጋ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ብምምስጋን ዝተፈላለዩ ልውውጣት ልምዲ ከምዝገብሩ ምዝራቦም ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ሶማሊ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.