Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግምባር ራያ ንዝተሰለፈ ሰራዊት ምክልኻል 18 ሰንጋታት፣ 122 ኣባጊዕን 7 ኣጣልን ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ጃማን ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ባሶና ወረናን ከምኡ እው ከተማ ደሴ ኣብ ግምባር ራያ ንዝተሰለፈ ሰራዊት 18 ሰንጋታት፣ 122 ኣባጊዕን 7 ኣጣልን ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ምክትል ኣዛዚ ማእኸላይ እዚ ንሎጂስቲክስ ብ/ጀ ሻምበል ፈረደ፥ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ብምባል ንዘርአዮ ቆራፅነትን ምትሕብባርን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣይተ ሰኢድ የሱፍ ብግደኦም፥ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት 10 ኩንታል ደረቕ ሬሽንን 89 ኣባጊዕን ብምቕራብ ደጀን ካብ ዝኾነ ህዝቢ ትፅቢት ዝግበር ሓገዝ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ከተማ ደሴ እውን 84 ሚሊየን ብር ብምትእኽኻብን ኣቅርቦት ብምምላእ ክሳብ መወዳእታ ሕብረቱ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ሰላም ሃገር ንምስኣን ዝፅዕሩ ሓይሊታት ቅስሞም ንምስባር ህዝቢ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ ምባሎም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.