Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ንወፍሪ ህልውና ልዕሊ 85 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ንወፍሪ ህልውና ልዕሊ 85 ሚሊየን ብር ሓገዝ ብምግባር ህዝባዊ ደጀንነቱ እናርአየ ከምዝኾነ መተኣኻኸቢን መተሓባበሪን ሓገዝ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ብግብረ ራዕዲ ትህነግ ተንካይነት ከም ሃገር ዘጋጠመ ፈተና ንምውፃእ ህዝቢ እቲ ዞባ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚሊሻን ደው ብምባል ኩለመዳይ ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብ ሓላፊ መምርሒ ንግዲን ልምዓት ዕዳጋን መተሓባበሪ ድጋፍ ወፍሪ ህልውናን ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣይተ ደረሰ ኣዱኛ ገሊፆም።

ከም ገለፃ እቶም ሓላፊ፥ ንወፍሪ ህልውና ከም ዞባ ልዕሊ 143 ሚሊየን ብር ንምትእኽኻብ ተተሊሙ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 85 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ።

ካብ ሞንጎ እዚ 67 ነጥቢ 1 ሚሊየን ጥረ ገንዘብ፤ 18 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብዓይነት ዝተኣከበ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ካብ ነበርቲ፣ ነጋዶ፣ ሓረስቶት፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ማሕበራትን ዝተኣከበ ሓገዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ንዝተዓለመሉ ዕላማ እናወዓለ ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.