Fana: At a Speed of Life!

ጁንታ ኣብ ዓፋር ኪልባቲ ረሱ በራህሌ ወረዳ ዳግማይ ሸሊኹ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጁንታ ኣብ ዓፋር ኪልባቲ ረሱ በራህሌ ወረዳ ዳግማይ ሸሊኹ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ፈፂሙ ክብል መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ንምምካት ናይ ዓፋር ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ግቡእ ምላሽ ብምሃቦም እቲ ጉጅለ መሳርይኡ ደርቢዮ ተሓቢኡ ነይሩ።

ይኹን እንበር ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 11 ንጎሆ ዳግማይ ወረራ ብምክያድ ናብ ሰበኽ ሳግም ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ከቢድ መሳሪያ ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ናይቲ ክልል ኮሙዩኒኬሽን መንግስት ሓበሬታ የረድእ።

ይኹን እነበር ጀጋኑ ናይ ዓፋር ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ሎሚ መዓልቲ ግቡእ ምላሕሽ ብምሃብ ነቲ ወራሪ ናይ ምምካት ስራሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.