Fana: At a Speed of Life!

ሓደ ሓደ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዝዳህሰሱሉ መገዲ ምፍልላይ ዘበኣእስን ሓላፍነት ዝጎደሎን ኢዩ – ሩሲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ምሰ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዝዳህሰሱሉ መገዲ ምፍልላይ ዘበኣእስን ሓላፍነት ዝጎደሎን ከምዝኾነ ሩሲያ ኣፍሊጣ።

ኣቐባሊት ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ማርያ ዛካሪቫስ፥ እናተኻየደ ዝርከብ ወፍሪ ህልውና ኣመልኪተን እዋናዊ መግለፂ ሂበን።

እተን ኣቐባሊት ቃል ኣብ መግለፂአን ግብረ ራዕዲ ህሓት ሕዚ እውን ናብ ኲናት ብምእታው ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕቲ ብምፍናው ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽተኣጓጎል ምግባሩን መስመር ኢትዮ-ጅቡቲ ንምዕፃው መጥቃዕቲ ምፍናዉን ገሊፀን።

እቲ ጉጅለ ክባ ክልሉ ብምውፃእ ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ሓገዝ ከይረኽቡ ገይሩ ኢዩ ኢለን።

እቶም ፀገማት ንኽፍጠሩ ድማ ዝተወሰኑ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ክስመረሉ ይግባእ ዝበላ እተን ኣቐባሊት ቃል፥ ናይዞም ኣካላት ኣካላት ምንቅስቓስ ሰላም ዘምፅእ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ሓላፍነት ብዝጎደሎ ጥፍኣት ዘበኣእስን ኣፈላላያት ዘቀፃፅል ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

”ደም ምፍሳሱ ደው ንኽብል፣ ሰብኣዊ ኩነታት ንምምሕያሽ፣ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ንምርግጋእ ንምፍጣርን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ብክልቲኡ ወገን ምቁራፅ ተኹሲ ምእዋጅ ብሕታዊ ኣማራፂ ኢዩ ኢልና ኢና ነኣምን” ኢለን።

ሩሲያ ውሽጣዊ ጉዳያ ምስ ኣፍሪካውያን ብምዃን ብሓባር ንምፍታሕ ወሳኒ ግደ ኣለዎም ኢላ ከምተኣምን  እውን ኣብ መግለፂአን ምሕባረን ካብ ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.