Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ተዓቑቦም ንዝርከቡ ተመዛበልቲ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ገይሩ።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ተዓቒቦም ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ሓገዝ ንኽግበር እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዘቕረቦ ፃውዒት መሰረት ብምግባር ኢዩ እቲ ሓገዝ ሎሚ መዓልቲ ተላኢኹ ዘሎ።

ንተመዛበልቲ ምግቢ ተንከፍ ዝኾኑን ዘይኮኑን ሓገዛት ምግባሮም ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ዑባህ ኣደም፥ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቀፃሊ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ብምኽንያት እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጦም።

ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.