Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሁርሶ መበል 3ይ ዙር ሰልጠንቲ ስልጠነኦም ብግቡእ እናተኸታተሉ ይርከቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)‹‹ሃገርን ንምድሓን ክዘምት ኢየ ኣበይ መዓዝ ብዝኾነ ይኹን›› ብዝብል መሪሕ ቃል ፀረ ሰላም ሓይሊታት ንምቅላስ ቆሪፆም ዝተለዓሉ መናእሰይ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ውትድርና ብምእታው ስልጠና እናተኸታተሉ ይርከቡ።

ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ሁርሶ ኮንቲጀንት ቅድሚ ሕዚ ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ብኽልተ ዙር ኣሰልጢኑ ዘመረቐ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሳልሳይ ዙር ሰልጠንቲ እናሰልጠነ ይርከብ፡፡

ሓላፊ ወፍሪ ኣሰልጣኒ ሻለቃ መበል 22 መቶ ኣለቃ ዳኔ መሃመድ፥ናይዚ ዙር ሰልጠንቲ ካብ ክልቲኡ ዙር ሰልጠንቲ ዝፍለዩሉ ሃገር ካብ ምፍራስ ኣድሒኑ ሓድነታ ንምቕፃል ንሃገረይ ክዘምት ኢየ ብምባል ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሎም ናብ ስልጠና ዝኣተዉ ምዃኖም ኢዩ፡፡

ሰልጠንቲ ብግደኦም እናተውሃቦም ዝርከብ ስልጠና ልዑል ዓቕሚ ውትድርና ከምዝፈጠረሎምን ከሓድቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝኾኑ ህወሓትን ሸኔን ካብ ኢትዮጵያ ንመወዳእታ ግዘ ንምድምሳስን ንምቕባርን ድሉዋት ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብ ቤት ትምህርቲ ማእኸል መሰልጠኒ ሁርሶ ኮንቲጀንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.