Fana: At a Speed of Life!

ኣሸባሪ ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ፀላእቲ ኢዮም- ናይ ጅማ ከተማን ከባቢኣን ነበርቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸባሪ ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ፀላእቲ ኢዮም ክብሉ ናይ ጅማ ከተማን ከባቢኣን ነበርቲ ገሊፆም።

ናይ ጅማ ከተማን ከባቢኣን ነበርቲ ኣብ ስታዲየም ጅማ ብምርካብ ኣሸባሪ ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ዘውግዝ ሰልፊ ኣካይዶም።

ህወሓት ኣብ ኢሬቻ በዓል ኣብ ኦሮሞ መናእሰይ፣ ሓረስቶትን ተወለድቲን ታሪክ ዘይዝንግዖ ናይ ጭካነ ተግባር ከምዝፈፀመ ተዛሪቦም።

እዚ ኹሉ ናይ ጭካነ ተግባር ኣብ ኦሮሞ ህዝቢ እንትፍፅም ቃል ዘይተንፈሰ ኦነግ ሸኔ ሎሚ ህወሓት ንምድሓን ጥምረት ፈጢረ ምባሉ ናይቲ ጉጅለ ቁፃር ካብ ምግላፅ ብዝተረፈ ኣብ ልዕሊ ሃገር ይኹን ህዝቢ ዝፈጥሮ ተፅዕኖ የለን ኢሎም እቶም ነበርቲ።

ብምዃኑ ናይ ኦሮሞን ናይ ኢትዮጵያን ህዝቢ ፀላኢ ዝኾኑ ኦነግ ሸኔንን ህወሓትን ንምውጋድ ኣድላዪ መስዋእትነት ክንከፍል ኢና ኢሎም እቶም ሰልፈኛታት።

ናይ ጅማ ከተማ ከንቲባ ኣይተ ትጃኒ ናስር÷ ኦነግ ሸኔ ናይ ኦሮሞ ተምሃሮን መናእሰይን እንተወድእ ዝነበረ ናይ ህወሓት ተለኣኣኺ ከምዘኾነ ተዛሪቦም።

ነዚ ዝተገንዘበ ናይ ኦሮሞ ህዝቢን መናእሰይን ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋት ብምዃን ክልቲኦም ጉጅለታት ንምውጋድ ይቃለስ ኣሎ ኢሎም።

ብሙክታር ጣሃ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.