Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ብግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሱ 41 ተኸሰስቲ ፖሊስ ፌዴራል ናብ ሕጊ ንኸቕርብ ኣዚዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፍርዲ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ኣይ ጌታቸው ኣሰፋን ኣይተ ጌታቸው ረዳን ሓዊሱ ብግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሱ 41 ተኸሰስቲ ፖሊስ ፌዴራል ናብ ሕጊ ንኸቕርብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ብገበን ግብረ ራዕዲ ክሲ ካብ ሞንጎ ዝተመስረተሎም 62 ተኸሰስቲ 21 ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዝተኸሰሱሉ ክሲ ብንባብ ቀሪቡሎም።

ሎሚ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝቐረቡ እቶም 19 ተኸሰስቲ እቲ ክሲ ቅድሚ ሕዚ ብፅሑፍ ኣብ ኢዶም ንኽበፅሖም ከምዝተገበረ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ንኽልቲኦም ተኸሰስቲ ድማ ሎሚ መዓልቲ ክሶም በፂሑዎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓቃቢ ሕጊ ዘለዉዎ መረዳእታታት ብፍላሽ ንቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ።

ኣይተ ስብሓት ነጋ ፣ ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሄም፣ ዶክተር ኣብርሀም ተኸስተ፣ ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱ፣ ዶክተር ሰሎሞን ኪዳኔ፣ ወይዘሮ ሙሉ ነጋ ሓዊሱ 21 ተኸሰስቲ ሕድሕዶም ዝተሳተፉሉ ዝርዝር ገበንን ክሲን ተነቢቡሎም።

50 ገፅ ዘለዎን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተነበበ ክሲን ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ክልተ ክሲታት ምምስራቱ ተገሊፁ።

ንሱ እውን ብሓይሊን ብዘይሕጋዊ መገዲን መንግስቲ ክልልን ፌዴራልን ብሓይሊ ንምልዋጥን መጥቃዕቲ ሽበራ ምፍፃምን ዝብሉ ክልተ ክሲታት ገበን ግብረ ራዕዲ ኢዩ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ መስሪቱሎም ዘሎ።

ኣብቶም ክሲታት ዝተፈፀሙ ዝርዝር ገበናት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዝበፅሑ ጉድኣታት ሓዊሱ ዝተፈፀሙ ጥቕዓታት ተኻቲቶም።

ክሲ ብንባብ ምስቀረበ ኣብ ሕቶ ዋሕስ ኣብ ሞንጎ ዓቃቢ ሕጊን ጠበቓታት ተኸሰስቲን ክትዕ ተኻይዱ።

የማንን ፀጋምን ዘድፀ ቤት ፍርዲ ብይን ዋሕስ ንመሃብ ንሓሙስ 13 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ቀዳማይ ተከሳሲ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ካልኣይ ተከሳሲ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዛብሄር፣ ራብዓይ ተከሳሲ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ ሻድሻይ ተከሳሲ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ሃዊሱ ዘይተተሓዙ 41 ተኸሰስቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ ስለዘይኮኑ ፖሊስ ፌዴራል ነቶም ተኸሰስቲ ሒዙ ንኸቕርብ እውን እቲ መጋባእያ ኣዚዙ።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.