Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ትንኮሳ ዝገበረሎም ስትራቴጂክ ቦታታት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ናይ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ኣልቂቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ትንኮሳ ዝገበረሎም ስትራቴጂክ ቦታታት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ናይ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ኣልቂቑ

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ከተማ ቆቦ ብምቁፅፃር ናብ ካልኦት ክፋላት እዛ ሃገር ብቐሊሉ ንምሕላፍ ብልምዲ  እምባታት ኣርሴማ እናተብሃሉ ዝፅውዑ ኣርባዕተ ጎቤታት ክሳብ 14 ሓምለ 2013 ዓ.ም ተቖፃፂሩ ንነበርቲ ከተማ ቆቦ ልዑል ስግኣት ኮይኑ ፀኒሑ ኢዩ።

ይኹን እምበር ኣባላት ዳይሬክቶሬት ፖሊስ ፌዴራል ኣርባዕተ ዲቪዢናት ፈጥኖ ደራሽ ምስ ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምውዳድ ብትሑት ሓይሊ ሰብ ብመሳርሑ ብምጥቃም ብዙሓት ሓይሊ ጁንታ ብምድምሳስ ኣርባዕቲአን ጎቦታት ምልቃቕ ንሚሊሻ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ከረክቡ ከምዝኀኣሉ ተገሊፁ፡፡

ፀላኢ እንተይደምሰስና ኣይንምለስን ዝበሉ ምክትል ኣዛዚ ሻለቃ እቲ ዳይሬክቶሬት ኢ/ር ሀሰን አብዱ፥ እቶም ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ቅፅዓቱ ብመሃብ ዝተኣማመነሎም ስትራቴጂክ ቦታታት ብምቁፅፃር ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ምርግጋዕ ፈጢሮም ኢዮም ኢሎም፡፡

እቶም ኣባላት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ካሊእ ግዳጅ ንምውፋር ምድላዎም ዛዚሞም ትእዛዝ እናተፀበዩ ከምዝኾኑ እቶም ምክትል ኣዛዚ ተዛሪቦም።

ንሉኣላዊነት ሃገር እንትበሃል ህዝቢ ኣብ ጎኖም ኣሰሊፎም ጁንታ ክሳብ መጨረሻ ንምጥፋእ መስዋእትነት እውን ንምኽፋል ኩሉ ኢትዮጵያዊ ድሉው ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.