Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ክልል ካብ ዝርከቡ ዩንቨርስቲታት ዝተውፃእፅኡ ምሁራት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ነሓሰ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ክልል ካብ ዝርከቡ ዩንቨርስቲታት ዝተውፃእፅኡ ምሁራት ኣብ ደቡብ ኦሞ ዞቦ ቱርሚ ከተማ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ይዛተዩ ኣለዉ።

እቲ ሰለ  ጂንካ ዩኒቨርሲቲን ናይ ደቡብ ክልል መንግስትን ብሓባር ኢዮም ኣዳሊየምዎ።

ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን እቲ ክልለ ኣይተ ሀይለማርያም ተስፋዬ፥ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝነበረ ስርዓት ናይ ህዝብታት ልዕልነትን ናይ ዴሞክራሲ ሕቶን ካብ ዝምልስ ናይ ጉጅለታትን ግለሰባትን ድልየት ምምላእ ዘተኮረ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣሸባሪው ናይ ህወሓት ጉጅለ ስልጣን ካብ ዝስእን ንደሓር ኣብታ ሃገር ብፅብፅን ትርምስን ብምፍጣር ዘይምርግጋዕ ንክህሉ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዕላምኡ ንምስኻዕ  ንዝፅዕሩ ኣካላት በጀት መዲቡ ህዝብታት ንዝኸፍአ ስቓይ ምድራጉ ኣረዲኦም።

ናይ ውሽጢን ደገን ሓይሊታት ተለኣኣኺ መንግስቲ ንክፍጠር ንምግባር ዝጀመርዎ ፃዕሪ ብሓበራዊ ፃዕሪ ክኸሽፍ ኢዩ አውን ኢሎም ክብል ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.