Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ኣለሙ ስሜን ረዳት ፕሮፌሰር በለጠ ሞላን ኣብ ግምባር ተረኺቦም ውላድ ሃገር ኣበረታቲዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመዓርግ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ዲሞክራሲ ዶክተር ኣለሙ ስሜን ኣቦ መንበር ኣብን ረዳት ፕሮፌሰር በለጠ ሞላን ኣብ ግምባር ወሎ ተረኺቦም ምስ ፀላኢ እናተዋደቐ ንዝርከብ ውላድ ሃገር ኣበረታቲዖም።

ክልቲኦም መራሕቲ ፖለቲካ እቲ ጉጅ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ብዘይ ኣፈላላይ ምምካት ይግባእ ኢሎም።

ፀላእቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕብረት ፈጢሮም ሃገር ንምፍራስ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ዶክተር ኣለሙ፥ እዚ ድማ ብፍፁም ከምዘይሳኻዕን ኢትዮጵያውያን ብሕብረት ከምዝምከትን ገሊፆም።

ኣብቲ ግምባር ብዙሓት ልኡኻት እቲ ጁንታ ጥሒሶም እናተደምሰሱ ከምዝኾኑ ብምግላፅ እዚ ድማ ጥንኩር ሓገዝ ህዝቢ እናረኸበ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ክልቲኦም ግብረ ራዕዲ ሸኔን ወያኔን ዝፈጠሩዎ ዘይተቐደሰ መርዓ ቅድም ኢሉ እውን ዝነበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ቅድሚ ሕዚ ውፅኢት ዘየምፀአ ድሕሪ ሕዚ እውን ውፅኢት ዘየምፅእ ኢዩ ኢሎም።

ኣቦ መንበር ኣብን ረዳት ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ ብግደኦም፥ ዋላኳ ኣፈላላያት ምልከታ ፖለቲካ እንተሃለዉ ኢትዮጵያውያን ዘንፀላለወለዎም ሓደጋ ህልውና ንምምካት እናሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብዙሓት ፈተናታት ከምዝሓለፈት ዝሓበሩ እቶም ረዳት ፕሮፈተሰር፥ ብዘይ ኣፈላላይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት እናደረቡ ከይዶም ኢዮም ኢሎም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ለይኩን ኣለምን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.