ዩኒቨርሲቲ መደወላቡ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ መደወላቡ ቀፅሪ ሻሸመኔ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 178 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ዘፈር ትምህርቲ ቢዝነስ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኢዩ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ ዘሎ፡፡
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ኣሕመድ ከሊል፥ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጎና ጎድኒ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተግባራት ኣገልግሎት ማሕበረሰብ እናሳለጠ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ናይ ባዕሉ ልዑል ብፅሒት እናተዋፅአ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡
ኣማኻሪ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ደለሳ ቡልቻ ብግደኦም፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፀገም ብፍልጠቶም ተሓጊዞም ንምፍታሕ ፃዕሪ ንኽገብሩ ሓደራ ኢሎም፡፡
ብጥላሁን ይልማን ለማ ተስፋዬን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።