Fana: At a Speed of Life!

ቱሪዝም ንብዙሓት ዘሳትፍ ስለዝኾነ ኣብቲ ዓውዲ ተሳትፍ ዘፈር ውልቀ ቁልፊ ግደ ከምዝፃወት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቱሪዝም ንብዙሓት ዘሳትፍ ልምዓት ስለዝኾነ ኣብቲ ዓውዲ ዕዉት ልምዓት ንምምዝጋብ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ቁልፊ ግደ ከምዝፃወት ተገሊፁ።

ቱሪዝም ኢትዮጵያን ኦዚ ሆስፒታሊቲን ቢዝነስ ግሩፕን ዘፈር ቱሪዝም ብሓባር ንምድጋፍ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ስምምነቱ የኢትዮጵያን የቱሪዝም ዘርፍ ትክክለኛ መረጃዎች ለአለም አቀፉ ማኀበረሰብ ለማድረስ፣ የዘርፉን የኢንቨስተመንት ግንኙነት ለማሳደግ፣ የቱሪዝም መስተንግዶ ተግባርን ለማጠናከርና ዓመታዊ ፌስቲቫሎችን በኢትዮጵያ ከአለም አቀፍ ተቋማት ጋር ለማስተናገድ ያስችላል ተብሏል

እቲ ስምምዕነት፥ ብዛዕባ ዘፈር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ትኽክለኛ ሓበሬታታት ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምብፃሕ፣ ርክብ ኢንቨስትመንት እቲ ዓውዲ ንምድንፋዕ፣ ተግባር ምትእንጋድ ቱሪዝም ንምጥንኻርን ዓለም ለኸ ዓመታዊ ፌስቲቫላት ኣብ ኢትዮጵያ ንምትእንጋድን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምንባር ክታም ተረኺቦም ከምዝገለፁዎ፥ ንዘበናት ዝተሓብአ ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ናብ ረብሓ ንምውዓልን ንዓለም ንምፍላጥን ልዑል ትኹት ተዋሂቡዎ ከምዝስራሕን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ መሰረተ ልምዓት ቱሪዝም ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ቅድሚያ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ እውን ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.