Fana: At a Speed of Life!

ወፍሪ ህልውና ብዓወት ክሳብ ዝዛዘም ዝተጀመረ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ትህነግ ንምድምሳስ ዝተጀመረ ወፍሪ ህልውና ብዓወት ክሳብ ዝዛዘም ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝክቕፅል ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ተንካይ ጆካ ኣፍሊጦም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ኣካቢ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ ሓገዝ እቲ ክልልን ኣይተ ተንካይ ጆክ፥ መንግስቲን ህዝቢን እቲ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘለዉ ውዳበታት ብምጥቃም ልዕሊ 33 ሚሊየን ሺሕ ብር ንምትእኽኻብ ተሃቂኑ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ንግዜኢ ተዛሪቦም።

ክሳብ ሕዚ ድማ ኣብ ግምባር ንዝርከብ ሰራዊት ደጀን ምዃኑ ንምግላፅ ልዕሊ 15 ሚሊየን 750 ሺሕ ብር ጥረ ገንዘብን ናይ ዓይነት ሓገዝን ተኣኻኺቡ ኣሎ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ዝተፀናኸረ ሓገዝ ሓይሊ ሰብ፣ ገንዘብ፣ ልገሳ ደምን ኣቑሑትን እናተኣኻኸቡ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.