Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘዉዴ ምስ ተፀዋዒ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ፈንድ ልምዓት ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘዉዴ ምስ ተፀዋዒ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ፈንድ ልምዓት ኣብ ኢትዮጵያ ማዊራ ቺቲማን ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ እቲ ተፀዋዒ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ እናካየዶ ብዛዕባ ዝርከብ ሰፊሕ ስራሕቲ ምጥንኻር ዘበናዊ ሕርሻ ዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልዕሊ 700 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ዝገበረ እንትኸውን፥ ምስ መንግስቲ ብቐረባ ብምስራሕ ስርሑ ንምስፍሕፋሕ ዘለዎ ትልሚ ገሊፆም፡፡

እተን ፕሬዚዳንት ዘፈር ሕርሻ ንኢትዮጵያ ቀንዲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ሓደ ስለዝኾነ ዝተጀመሩ ስራሕቲ፣ መንግስቲ ዘውፀኦም ሽቶታት ኣብ ምፍፃም ሓገዞም ንኽቕፅሉ ምትሕስሳበን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.