Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህዝቢ ዓፋር ህዝብ ዘለዎ ኣጋርነት ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ንምፍራስ ቆሪፁ ዝተልዓለ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝኸፈቶ ኲናት ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዕቖቢ ዝነበሩ 240 ሰላማዊ ዜጋታት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ከምዘሕዘኖ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዘውፀኦ ናይ ኣጋርነት መግለፂ፥ ኣመራርሓን መላእ ነበርቲን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዖም ገሊፁ።

ንመላእ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያውያን ዓፋርን እውን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ህዝቢ ዓፋር ግዳይ ሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ክኸውን ዝኸኣለ ሃገሩ ካብ ምፍራስ ንምድሓን ብጅግንነትን ንፅንዓትን ደው ስለዝበለ ከምዝኾነ ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዓፋር ይኹን ካልኦት ህዝቢ ኢትዮጵይ ዘብፀሖ ጭፍጨፋ፣ በደልን ጉድኣትን ጠጠው ክብል ዝኽእል፥ ብሓበራዊ ቅልፅም መላእ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ እንትድምሰስ ከምዝኾነ እውን ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

መላእ ህዝቢን ኣመራርሓታትን እታ ምምሕዳር ከተማ እቲ ወፍሪ ብዓወት ክሳብ ዝዛዘም ብኹሉ መልክዑ ካብ ጎኒ ህዝቢ ዓፋር ከምዘይፍለ እውን እቲ መግለፂ ኣረጋጊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.