Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ዓፋር ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝግበሩ ሓገዛት ንኽጠናኸሩ ፃዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ዓፋር ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝግበሩ ሓገዛት ንኽጠናኸሩ ፃዒት ቀሪቡ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ከም ፋንተሩሲን ከልዋን ዝበላ ዞባታት ዝነበሩ ብዙሓት ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ንግዚኡ ኣብ ከባቢ ሎጊያ ኣፅሊሎም ይርከቡ።

ሓይሊታት እቲ ጁንታ ብዝፈፀሙዎ ተግባር ህይወቶም ንኽመሳቐል ምኽንያት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ተጎዳእቲ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝፈፀሞ ተግባር ልቢ ዝሰብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ንተጎዳእቲ ዝኸውን ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጉጅለ ጋዘዜጣኛታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዓዚቡ።

መተሓባበሪ ኮሚቴ ሓገዝ ኣይተ ዑመር መሓመድ፥ ነበርቲ እቲ ክልል ብምትሕብባር ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ንምግባር ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ክሳብ ሕዚ 60 ሺሕ ጥረ ገንዘብ ከምኡ እውን ልዕሊ 1 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ብዓይነት ካብ ሕብረተሰብ ሓገዝ ተኣኻኺቡ።

ኣብ ውሽጢ ኃገርንጣን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያን ኣብ ጎኒ ተጎዳእቲ ደው ንኽብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.