Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሓፂር እዋን ንምጥፋእ መንግስታት ክልልን ፌዴራልን ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ – ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሓፂር እዋን ንምጥፋእ መንግስታት ክልልን ፌዴራልን ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ሓበሬታ ድሕንነት  ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ብምዕራድ ንመንግስታት ክልልን ፌዴራልን እናተንኮየ ንምፍራስ ፈተነ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ብምፍፃም ዝኸፈቶ ቅሉዕ ኲናት ኣብ ሓፂር እዋን ክሰዓር ከምዝተኸኣለ ገሊፆም፡፡

ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ምድንጋር ተግባር ተጠቒሙ ንህዝቡ ብምልዕዓል ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታትት መጥቃዕቲን ወራርን እናፈፀመ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝርከቡ ግብረ ሽበራውያን ንምጥቃም ፃዕሪ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ሓፂር እዋን መንግስታት ክልልን ፌዴራልን ብሓባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ኣይተ ተመስገን፥ ነቲ ጉጅለ ክብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

እዚ ንምግባር ድማ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዝተጠናኸረ ሓገዝ እናገበሩ ከምዝኾኑ ምግላፆም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.