Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ጅምላዊ መቕተልቲ ፈፂሙ ኢዩ – ኣይተ ኣወል ኣርባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ጅምላዊ መቕተልቲ ከምዝፈፀመ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣፍሊጦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ማሕበረሰብን ተዛቲዮም፡፡

ኣብዚ እዋን ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስን ህዝባ ንምሕንፋሽን ዝጀመሮ ፃዕሪ ከምዘይዕወተሉ ተዛሪቦም፡፡

ህዝቢ ዓፋር ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ኣየድፍርን ብምባል መስዋእትነት እናኸፈለ ይርከብ ዝበሉ ኣይተ ኣወል ኣርባ፥ ኩልና በቢዘለናዮ ንሃገርና ዝኸኣልናዮ ኩሉ ብምግባር ግቡእና ክንዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብጃህሪ ተሃንዲዱ ኣብቲ ክልል ዝፈፀሞ ወራር ንምምካት እናተወሰደ ዝርከብ ግብረ መልሲ ብፅቕ ኩነታት እናተኻየደ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.