Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ናይ ምፍራስ ድሌት ባንዳታት ንምምካት ህዝቢ ብሓድነት ጠጠው ክብል ይግባእ – ኣይተ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ደም ልገሳ ኣካይዶም፡፡

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ሕልሚ ሃገር ምፍራስ ባንዳታትን ኢድ ኣእታውነት ሓይሊታት ወፃኢን ዝገብሩዎ ወራር ህዝቢ ብሓድነት ጠጠው ብምባል ከፈሽሉዎ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ረብሓ ካልኦት ሃገራት ግቡእ ብዘይኮነ ክትወስድ ከምዘይትደሊ ከምኡ እውን ናይ ባዕላ ረብሓ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ፈሊጦም ናይ ወፃኢ ወረርቲ ሓይሊታት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ወራሪ ሓይሊ ንምምካት ትማሊ ኣባላትን ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈትን እቲ ባይቶ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኻል ከምዝለገሱ ዝሓበሩ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፥ ሎሚ መዓልቲ ድማ ደም እናለገሱ ከምዝኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.