Fana: At a Speed of Life!

ኤክስፖ ዱባይ 2020 1 ጥቅምቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ኮቪድ ተናዊሑ ዝነበረ ኤክስፖ ዱባይ 2020 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፕውያን 1 ጥቅምቲ 2021 ክጅምር ኢዩ።

እቲ ኤክስፖ ብዝተፈላለየ መልክዑ ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ሰፊሕ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ኤክስፖ ንኢትዮጵያ ዝገልፁ ሙዚቃታት፣ ባህሊታትን ዝተፈላለዩ ንኢትዮጵያ ዘዘኻኽሩ መዓልቲታት ተሰይሞም ክኽበሩ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

መዓልቲታት ቡን፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ብሄራዊ ክብረ በዓላትን ከምዝኽበሩ ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ገሊፆም፡፡

እቲ ኤክስፖ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1 ጥቅምቲ 2020 ክሳብ 20 ሚያዝያ 2021 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኮይኑ፥ ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ተናዊሑ ካብ 1 ጥቅምቲ 2021 ክሳብ 20 ሚያዝያ 2022 ከምዝካየድ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.