Fana: At a Speed of Life!

ኬንያን ሶማሊያን ርክበን ንምምሕያሽ ተስማዕሚዐን

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬንያን ሶማሊያን ንዓማውቲ ተዘሓሒሉ ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ፣ ንግዲን ጀክልተኣዊን ርክበን ንምምሕያሽ ተስማዕሚዐን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ መቃዲሾ ዘካየዱዎ ሓበራዊ ልዝብ ስዒቡ ኢዩ ኣብ ስምምዕነት በፂሐን ዘለዋ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ቀፃሊ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ልዝብ ከምዝገብሩ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ምይይጥ ኣብ ዓውዲታት ዲፕሎማሲ፣ ንግዲ፣ ትምህርቲ፣ ሕርሻ፣ መከላኸሊን ፀፅታን፣ ቱሪዝምን ካልኦት ጉዳያትን ዘድህብ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ ፀሪሑ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.