Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓፋር ልዕሊ 200 ንፁሃን ዜጋታት ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ከምዘተሓሳሰቦ ዩኒሴፍ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒሴፍ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ክልል ዓፋር ጥዕና ጣቢያን ቤት ትምህርቲን ኣፅሊሎም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ 100 ህፃናት ሓዊሱ ልዕሊ 200 ዜጋታት ዝበፅሐ ጨፍጫፍ ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ፡፡

ህይወት ሰባት ካብ ምትፍኡ ብተወሳኺ ንዝመዛበሉ ሰባት ክውዕል ዝነበረ ቀረብ ምግቢ ከምዝዓነወ እቲ ትካል ገሊፁ፡፡

ብዝተፈጠረ ጎንፂ ብዙሓት እናተመዛበሉ ከምዝኾኑ ዝገለፀ ዩኒሴፍ፥ ሰብኣዊ ምቁራፅ ተኹሲ ተግባራዊ ክግበር ከምዝግባእ እውን ፀዊዑ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 240 ዜጋታት ከምዝቐተለ ኣልጀዚራ ኣቃሊዑ፡፡

መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ይግበር እምበር፥ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዝገብሮ መጥቃዕቲ ከምዝቐፀለ ፀብፂቡ፡፡

ዩኒሴፍ ኩሎም ኣካላት ልዕሊ ኩሉን ዓቕሚ ብዝፈቐዶን ንህፃናት ካብ ጉድኣት ንኽሕልዉ ፀዊዑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.