Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኻል ለጊሶም

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኻል ለጊሶም።

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ዋና ፀሓፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ዶክተር ምስራቅ መኮንን፥ ብዝተሓባበረ ኢድ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ሓይሊታት ፀረ ሰላም ምምካት ይግባእ ኢለን፡፡

እቶም ሰራሕተኛታት ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝልቀቑ ፍልፍሎም ዘይተፈለጡ ሓበሬታታት ካብ ምጥቃምን ብሓበሬታ ካብ ምርባሽን ክዕቀቡ እውን ኣተሓሳሲበነን፡፡

ርኢቶ ዝሃቡ ሰራሕተኛታት ብግደኦም ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንደሓር ብዙሓት ማሕለኻታት ከምዝገጠሙዋ ብምሕባር፤ እቲ ፀገም እናተበኣኣሰ መፂኡ ክሳብ ስግኣት ሃገር ምፍራስ ምብፅሑ ገሊፆም፡፡

ድሕንነት ዜጋታትን ሉኣላዊነት ሃገርን ንምኽባርን ካብ መሃየኦም ብተወሳኺ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ተሰሊፎም ዝመፅእ ፀላኢ ንምምካት ከምዝዘምቱ ምርግጋፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.