Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ክሽየጡ ዝነበሩ ሸጓጉጢን ዝተፈላለዩ ጠያይቲን ምስ ተጠርጠርቶም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ክሽየጡ ዝነበሩ ሸጓጉጢን ዝተፈላለዩ ጠያይቲን ምስ ተጠርጠርቶም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብሔራዊ መረጃን ድሕንነትን ኣገልግሎት ብምውዳድ  ብመሰረት ካብ ሕብረተሰብ ዝተውሃበ ሓበሬታ ብምጥቃም ብዝገበርዎ ክትትል፥ ሰለስተ ግለ ሰባት ብኮድ 1-31917 አ.አ ብዝኾነ ቢጫ ታክሲ ዓይነት 25 ቱርክ ስርሒት ኢኮልፒ ሽጉጥ፣ 586 ፍረ ናይ ኢኮልፒ ሽጉጥ ጥይት ፣ 69 ፍረ ናይ ብሬን ጥይት ኣብ ፀሊም ዕዳጋ እንተለዉ ኣብ ኮልፌ ቀራንዮ ክፍለ ከተማ ወረዳ 1 ፍሉይ ቦታ ዘነበወርቅ ከባቢ 28 ሓምለ 2013 ዓ/ም ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዙ ናይ አዲስ አበባ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና 23 ሓምለ 2013 ዓ/ም ሓደ ግለ ሰብ 730 ፍረ ክላሽን ኮቭ ጥይት ምስ እኽሊ ብምሕዋስ ናብ ክልል ደቡብ ብሔር፣ ብሔረሰባትን ህዝብታትን ዞባ ስልጤ ንምዝውዋር እንትፍትን ዘነበ ወርቅ መናሃሪያ ውሽጢ ብዘለዉ ሰራሕተኛታት እቲ  ግለሰብ ምስ ጥይቱ ከምዝተትሓዘ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.