Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ናየወ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኻል ንምልጋስ ወሲኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታትን ኣባላት ማናጅመንትን በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ናየወ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኻል ንምልጋስ ከምዝወሰኑ ተገሊፁ።

እቶም ሰራሕተኛታት ሰራዊት ምክልኻል ተግባር ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ንምፍሻልን ሃገር ንምድሓንን ዝተቐበሎ ልኡኽ ንምሕጋዝ በዝኾነ ይኹን መልክዑ ሓገዝ ንምግባር ከምዝተዳለዉ ገሊፆም፡፡

ሰራሕተናታት እቲ ቤት ዕዮ በዓል መዚ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ካብ ምልጋስ ብተወሳኺ ናብ ግምባር ብምኻድ ዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም፡፡

ደም ንምልጋስን ካልኦት ኣድለይቲ ዝኾኑ ሓገዛትን ብምብርካት ዜግነታዊ ግቡኦም ንምውፃእ ከምዝተስማዕምዑ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.