Fana: At a Speed of Life!

“ሃይማኖታት ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ቃል ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ሃይማኖታት ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ቃል ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ሚኒስቴር ሰላም ፌዴሪኢ ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘሰናድኦ ኢዩ።

“ሃይማኖታት ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ፥ ካብ ኩሎም ሃይማኖታት ዝተወከሉ ኣቦታት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን እንግዶት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተሳቲፎም።

ንዘበናት ዝፀንሐ ብሰላም ሓቢርካ ናይ ምንባርን ምክእኣልን ልምዲን ባህሊን ብምሕላው ንወለዶ ምትሕልላፍ ከምዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ኣቦታት ሓቢሮም።

ነዚ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ኩሉ ሰብ እጃሙ ከወፊ ከምዝግባእ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.