ፃውዒት መንግስቲ ኣይንቕበልን ብምባል ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቀሱ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ስጉምቲ ተወሲዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ወምበራ ግዴትኡ ኣብ ምፍፃም ዘሎ ኣባላት ሰራዊት መበል 2211ሻለቃ ፃውዒት መንግስቲ ኣይንቕበልን ብምባል ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቀሱ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ስጉምቲ ወሲዱ።
ዋና ኣዛዚ እቲ ሻለቃ፣ ሻለቃ ዮሃንስ እውነቱ፥ ካብ ሃገር ሰላም ብተፃራሪ ብምዃንን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ጎድኒ ብምግዳፍ ህዝቢ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ንከይኣቱ ተልእኾ ጥፍኣት ዝፍፅሙ ዘለዉ ሓይሊታት ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ 25 ኣባላት ሽፍታ ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ከምዝተማረኹ ገሊፆም።
ፀላኢ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ 9 ክላሽን፣ 3 ባህላዊ መሳርሒን ብዙሓት ቀስቲታትን ከምዝተማረኹ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ 185 ክላሽን ጥይት ፣16 ብሬን ጥይትን ሓደ ቡምባን ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መጥቃዕቲ ንምብፃሕ እንተሓሰቡ እውን ሰራዊት ኣቐዲሙ ብምፍላጥ ዓወት ከምዝሓፈሰ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።