በዓል መስዋእቲን ሓድነትን ብምዃኑ ትእዛዝ ፈጣሪ ምኽባር ይግባእ-ሓጂ ሱልጣን ኣማን
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዓረፋ በዓል መስዋእቲን ሓድነትን ብምዃኑ ትእዛዝ ፈጣሪ ምኽባር ካብ ምእመናን ትፅቢት ከምዝግበር ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሓጂ ሱልጣን ኣማን ተዛሪቦም።
መበል 1 ሺሕን 442 በዓል ዒድ ኣል አደሃ (ዓረፋ) ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሓጂ ሱልጣን ኣማን፥ በዓል ዓረፋ በዓል መስዋእቲን ሓድነትን ብምዃኑ ትእዛዝ ፈጣሪ ምኽባር ካብ ምእመናን ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።
ቅንዕና፣ ልቦና ምስፈሕን ምድግጋፍን ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም።
እስልምና ናይ ሰላም ሃይማኖት ኢዩ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ሃጂ ሱልጣን፥ ኩሉ ናይ ውሽጢ ፀገም ብሰላም ምፍታሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ሃገርና ክብ ንምባል ኣብ ዝተፈለለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓድነትን ምክብባርን ብምስራሕ ካብ ድኽነት ምግልጋል ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሰዓብቲ እቲ እምነት ነቲ በዓል እንተኽብሩ ኣስተምህሮ እቲ እምነት ብዝእዝዞ ልክዕ ዘለዎ ንዘይብሉ ኣካፊሉ፣ ዝተመዛበሉ ደጊፉን ዝተፀገሙ ሓጊዙን ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።