ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣድላዪ ፍተሸ ንምግባር ዘኽእሉ ተወሰኽቲ ማሽናት ይትከሉ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣድላዪ ፍተሸ ተገይሩሎም ብቕልጡፍ ናብ ዝድለ ቦታ ንኽፅሕ ዘኽእሉ ተወሰኽቲ መፈተሸ ማሽናት እናተተኸሉ ምዃኖም ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ገሊፁ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ምትኩ ካሳ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዝኾኑ ኣቑሑት ዝሓዙ 61 ከበድቲ ተሸከርከርቲ ናብ መቐለ ከምዝኣተዉ ኣብሪሆም።
ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣቑሑት ዝፀዓና 60 ከበድቲ ተሸከርከርቲ ብክልል ዓፋር ኣቢለን ናብ ክልል ትግራይ እናኣተዋ ከምዝኾና እውን ገሊፆም።
ኣይተ ምትኩ ኣብ መግለፂኦም፥ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዝ ግቡእ ተፍትሽ ተገይሩሉ ብቕልጡፍ ተበፃሒ ንኽኸውን ተኸላ ተወሰኽቲ መፈተሸ ማሽናት እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ሰርዶን ዓፍዴራን ክልተ መፈተሸ ማሽናት እናተገጠሙ ከምዝኾኑን ዕድጊት 10 ማሽናት ከምዝካየድን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።