Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ዝቃወም ወፍሪ ትዊተር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናይ ወፃኢ ፅዕንቶን ኢድ ኣታውነትን ብምቅዋም ከምኡ እውን ህፃናት ናብ ውትድርና እናተጠቐመ ዝርከብ ጉጅለ ህወሓት ፅዕንቶ ንኽግበረሉ ዝሓትት ወፍሪ ትዊተር ተኻይዱ።

እቲ ወፍሪ ትዊተር ብፍላይ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናገበሮ ዝርከብ ትንኮያን ህፃናት ናብ ውትድርና ምጥቃሙ መሰል ህፃናትን ዓለም ለኸ ድንጋገታትን ዝጥሕስ ስለዝኾነ፥ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክኹንኖ ዝሓትት ኢዩ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ እናፈፀሞ ዝርከብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ትንኮያን ብህፁፅ ንኸቋርፅ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ፅዕንቶ ንኸሕድር ዝፅውዕ ኢዩ፡፡

ዓለም ለኸ መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ጎንፂ እናቕረቡዎ ዝርከቡ ሓበሬታ ኣብ ሓቂ ዘይተደረኸ ከምዝኾነ እውን ተሳተፍቲ እቲ ወፍሪ ኣገንዚቦም፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ቅዋምን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እናገበደረቶ ትርከብ ኢድ ኣእታውነት ግቡእ ዘይኮነን እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዝድግፍ ኢዩ ብዝብል እቶም ተሳተፍቲ ተቓውሞኦም ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓዙዎ ቅዋም ዝተወዘዐ ኢሉ እውን  ምዕራባውያን አቲ ጉጅለ ኣብ ኲናት ዘሰለፎም ህፃናት ከምዘይረኣዩ ምሕላፎም ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ ተሳተፍቲ እቲ ወፍሪ ገሊፆም፡፡

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ማይ ካድራን ዝፈፀሞ ዘስካሕኽሕ ጨፍጫፍ ብመዝኽኻር ምዕራባውያን ነዚ ዕሽሽ ምባሎም ከምዘሕዘኖም ኣብሪሆም፡፡

ብመንፅ እዚ ኣሜሪካ ሓዊሱ ምዕራባውያን ሃገራት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ብፍትሓዊነት ንኸፅነዐዖን ሉኣላውነታ ንኸኽብሩ ሓቲቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.