ህፃናት ናብ ኲናት ናይ ምእታው ተግባር ገበን ህወሓት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንኽኹንኖ ተሓቲቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት እናፈፀሞ ዝርከብ ንህፃናት ብመዐወኒ ሓሽሽ ብምስካር ናብ ውግእ ናይ ምእታው ገበን ማሕበረሰብ ዓለም ክኹንኖ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መናእሰይን ገሊፁ።
ዓለም ለኸ ስምምዓት ብምጥሓስ ንህፃናት ናብ ኲናት እናሰለፈ ዝርከብ ሓይሊ ሕወሓት ብዓለም ለኸ ገበን ሕጊ ንኽሕተት ትካላት ዓለም ተሓባበርቲ ክኾና ከምዝግባእ እውን ፀዊዑ።
ኣብዚ ሰሙን ዝወፅኡ ሓበሬታታት ከምዘርእዩዎ፥ ዓለም ለኸ ድንጋገታት ብዝተፃረረ መልክዑ ብዙሓት ገበናት እናፈፀመ ምዃኑ ጋህዲ ከምዝወፅአ ከምዝተርኣየ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።
ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ወይዘሮ ኣለሚ ኡሞድ፥ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዝፈፀሞ ኢሰብኣዊ ተግባር ሓሊፉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ህፃናት ብመዐወኒ ሓሽሽ ኣስኪሩ ናብ ኲናት እናእተወ ተግባር ገበን እናፈፀመ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ዕድሚኦም ንኲናት ዘይበፅሐ ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ህፃናት ናብ ኲናት ምእታው፥ ኢትዮጵያ ካብ ዝፈረመቶም ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ሰምምዓት ዝፃረር ስለዝኾነ ክኹነን ዝግበኦ ተግባር ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
ይህ ህጻናትን ወደ ውጊያ የማስገባት ወንጀልን በዝምታ ማለፍ በሃገር ሞራል ላይ መረማመድ እንደሆነም ገልጸዋል
እዚ ተግባር ገበን ብዕሽሽታ ምሕላፍ ኣብ ሞራል ሃገር ምስጓም ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።