Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀረባ ዕዋን ዘበናዊ ስርዓት ዕድጊት መኣድን ምክያድ ከምዝጅመር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቀረባ ዕዋን ዘበናዊ ስርዓት ዕድጊት መኣድን ምክያድ ከምዝጅመር ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ፍርያታት መዓድን ናብ ዘበናዊ ስርዓት ዕድጊት ንምእታው፥ ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ዝተፈራረሙዎ ሰነድ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም መዓድናት ኦፓል፣ ሳፋሪን ኢመራልድን ምትዕድዳግ ክጅመር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ኩልቲአን ቤት ዕዮታት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ዘለዉሉ ኮሚቴ ቴክኒክ ተጣይሹ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም 614 ሺሕ 586 ሜትሪከው ቶን ፍርያት ብ39 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ብምትዕዳግ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 96 ሚኢታዊ ብዋጋ ድማ 102 ሚኢታዊ ከዕውት ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዕድጊት ፍርያት መዓድን ምስ ዝተዋፈሩ መዳርግቲ ኣካላት ምይይጥ ኢንዱስትሪ ከምዝግበር ካብ ፍርያት ዕዳጋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.