ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ውሳነ ተኹሲ ደው ምባል ብምንፃግ ስደተኛታት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ እንተይተረፈ ሓደሽቲ መጥቃዕቲታት ምኽፋቱ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ብመንግስቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ተኹሲ ደው ምባል ብምንፃግ ስደተኛታት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ እንተይተረፈ ሓደሽቲ መጥቃዕቲታት ምኽፋቱ ኤጀንሲ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ገሊፁ።
እቲ ኤጀንሲ ንኢፕድ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ብምኽኒያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጣቢያታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ድሕንነቶም ሓደጋ ከምዘብፀሐ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ድሕንነቶም ክሕለወሉ ናብ ዝኽእል ከባቢ ንክዘዋወሩ፣ ኣብ ደገፍ ዝተደረኸ ኣፍልጦ ምምዝባል ከተማ ንክወሃቦምን ናብ ሳልሳይ ሃገር ንክዛወሩን ህፁፅ መፍትሒ ንክወሃቦም ሕቶ ኣብ ከይዲ ምቕራብ ይርከብ ኢሉ።
ኣብ ክሊ እቲ ፀገም ምስ ተወከልቲ ስደተኛታት ትኸታታሊ ዘተ ከምዝተኻየደ ገሊፁ።
“መንግስቲ ድምፂ ስደተኛታት ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ክድመፅ ኢዩ ብዝብል ተስፋ ኣብ ሓዱሽ መፅለሊ ጣቢያ ንምስፋርን ኣብ ደገፍ ዝተደረኸ ኣፍልጦ ምምዝባል ከተማ ንክወሃቦም ጠንኪሩ ኣብ ምስራሕ ይርከብ” ኢሉ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።